Hyppää sisältöön

ኮሮናቫይረስ ፦ ንርእስኻ ኻብቲ ቫይረስ ክትከላኸለላን ነቲ ሕማም ክትሕክምን ዝተውሃበ መምርሒ

Koronavirus: Ohjeita virukselta suojautumiseen ja taudin hoitoon, tigrinja (päivitetty 13.4.2022)

Tekstit ohjausta ja neuvontaa varten:
Ohjeet suomeksi
Ohjeet englanniksi

ክታበት አንጻር ኮሮናቫይረስ

ኣንጻር ሕማም ኮሮናቫይስ ውጽኢታዊ ዝዀነ ክታበት ማዕቢሉ ኣሎ ።

ምክታብ ናይግድን አይኮነን፡፡ ይኹን እምበር ምክታብ ናይ ምክልካል ሃይሊ ያእብይ እዩ፤ ብፍላይ ኸኧ ካብ ከቢድ ሕማም ኮሮናቫይስ ፤ ከምኡውን  እቲ ቫይረስ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ናይ ምምሕልላፍ ኧቅሚ ይቅንስ ኧዩ። እኹል ሰባት ክታበት እንተረከቡ ጥራይ ኢዮ ናብቲ ልሙድ መዓልታዊ ንጥፈቶም ክምለሱ ዝኽእሉ።

ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝወሃብ/ዝውደብ ብሰበ ስልጣን ምምሕዳራትን ከተማታት እዩ ። ምምሕዳር ከተማኻ ብኸመይን ኣበይን ኮቪድ-19 ክታበት ምርካብ እትኽእለሉ መገዲ ክሕብረካ እዩ። ስለዚ ነቲ ኻብ ምምሕዳር ከተማኻ ዝመጽእ ዓውደ ፋእሚ ወይከአ ካልእ መራኸቢታትን ስዓቦ ። ቈጸራ ኽትገብር ከለኻ ንስድራ ቤትካ ሓገዝ ክትሓትቶም ትኽእል ኢኻ፤ እንተዀነ ግን ምምሕዳር ከተማኻ ብዘይ ቈጸራ ክታበት ክትረክብ ክገብረካ ይክእል እዩ።

ኣብ ፊንላንድ  ወዲ 5 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዀነ ይኹን ሰብ ክታበት ኮቪድ-19 ምርካብ እንተደሊዩ ይቐርበሉ ኢዩ። 

ክታበት ኣንጻር ሕማም ኮሮናቫይስ ናጻ እዩ ። 

ክታበት ኮቪድ-19 ንመን እዩ ዝስማማዕ?
ክታበት ኣንጻር ኮቪድ-19 ብሓፈሻ ንዅሉ ሰብ ዝስማማዕ እዩ። 

  • ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ዝዀነ ይኹን ሕማም ይሃልዎ ብዘየገድስ እቲ ክታበት ከም ንቡር ክውሰድ ይከኣል ኢዩ ። ካሊእ መድሃኒት ትወስድ እኳ እንተ ዀንካ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ክታበት COVID-19  ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።
  • ጥንሲ ነቲ ኸቢድ ሕማም ኮሮናቫይስ ዘስዕቦ ሓደጋ ስለ ዝውስኾ ንዅለን ጥኑሳት ደቂ ኣንስትዮ ክክተባ ከም ዘለወን ንመክር ኢና። ከቢድ ሕማም ነቲ ናይ ትሮምቦሲስ( thrombosis) ሓደጋን ቅድሚ ግዜኻ ናይ ምውላድን ኣጋጣሚ ይውስኾ እዩ። ጥኑሳት ኣንስቲ ወይ ዕሸላት ብዛዕባ ደሕንነተን ዘተሓሳስበን ነገር ካብቲ እተገብረ ተኸታታሊ መጽናዕትን መርመራታትን ኣይተረኽበን። ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ጥኑሳት ኣንስቲ ተከቲበን እየን ። 
  • እቲ ክታበት ኣብ እዋን ጡብ ምጥባው እውን ክወሃብ ይከኣል እዩ ። ገለ ኽፋል እቲ ክታበት ናብ ጸባ ጡብ ኣይሓልፍን እዩ ። እቲ ሕጻን በቲ ናይታ ኣዶ ክታበት ክትከላኸለሉ ይከአል እዩ ።
  • ክታበት ኣንጻር ኮቪድ-19 ካብ እንስሳታት ዝመጸ ንጥረ-ነገራት ዝሓዘ ኣይኰነን። ሃላልን ናይ እንስሣት ተዋጻኦታት( kosher product) ዝብሃል ፍርያት እዩ፣ ንቬጋን እውን ዝስማማእ እዩ።

እቲ ክታበት ንዓኻ ዝስማማእ ምኴኑ ንሓኪምካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ።

ክታበት ኮሮና-ቫይረስ ውሕስ ኧዩ?

ንሰባት እኹል ውጽኢታውን ድሕንነት ዘለዎን ክታበት ጥራይ ኢዩ ክወሃቦም ዝኽእል ። ክታበት ቅድሚ ምትእትታዉ ብጥንቃቐኢዩ ዝፍተን ። ኣዳለውቲ ዋህዮታት ነቲ ክታበት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ወለንተኛታት ፈቲኖምዎ ኢዮም ።

ሓደ ኽፍሊ ንሰባት ቅድሚ ምሃቡ ናይ ንግዲ ፍቓድ ክወሃቦ ኣለዎ ። እቲ ናይ ዕዳጋ ፍቓድ በቶም ናይ መድሃኒት ሰበ - ስልጣን ኢዩዝወሃብ ። እቲ ኽፍሊት ድሕንነትን ውጽኢታውን እንተ ዀይኑ ናይ ዕዳጋ ፍቓድ ይወሃብ ።

ኵሎም ከታበታት ሕማቕ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ኧዩ ። ሳዕቤኑ መብዛሕትኡ ግዜ ፈኲስ ስለ ዝዀነ ቀልጢፉ እዩ ዚሓልፍ ። ገለኻብቲ ጐዳኢ ሳዕቤናት እዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል ኧዩ ፡-

  • ኣብቲ መርፍእ ዝውግኣሉ ቦታ ምቅያህ፤ ሕብጥታት ወይ ድማ ሙቐት
  • ረስኒ
  • ሕማም ርእሲ ወይ ሕማም ጭዋዳ።

ኮሮናቫይስ ክትሕዞ ወይ ካብቲ ኮሮናቫይረስ ዝበሃል ክታበት COVID-19 ተማዕብል ኣይትኽእልን ኢኻ።

ልክዕ ከም ኵሎም ክታበታት፣ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኧውን ዘይተለምደ ኸቢድ ቍጥዐ ኣካላት ካስዕብ ይኽእል እዩ ። ቍጥዐ ኣካላትብኡንብኡ ኣብቲ ክታበት ዝግበረሉ ቦታ ወይ ኣብ ክንክን ጥዕና ይሕከም ።

ክታበት ኮቪድ-19 ህያው ኮሮናቫይስ ስለ ዘይብሉ ሕማም ኮሮናቫይስ ኸስዕብ ኣይክእልን እዩ። 
ልክዕ ከም ኵሉ ክታበታት፤ እቲ ክታበት ኮቪድ-19 እውን ከቢድ ቍጥዐ ኣካላት ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ቍጥዐ ኣካላት ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም፤ ኣብ ኵሉ ክታበታት ዝወሃበሉ ቦታታት ድማ ሕክምና ክግበረልካ ይከኣል እዩ ። 

  •  እቶም mRNA ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ካብ በዝሒ ህዝቢ ብገምጋም ንላዕሊ myocarditis ከምኡውን pericarditis ከም ዘሎ ጸብጻብ ሂቦም ኢዮም። እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ ናይ myocarditis ኣብ መንእሰያት ካብቲ ኻልኣይ ዓቐን ናይቲ ክታበት ሒደት መዓልትታት ጸኒሑ ኢዩ ተረኺቡ። ይኹን እምበር፤ አብ መንእሰያት እውን ምቅጻል ሳሕቲ እዩ፤ እቲ ምልክታት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ፈኲስ ኢዩ። mRNA ክታበት Biontech-Pfizer's Comirnaty and Moderna's Spikevax ክጥቀስ ይኽእል እዩ።

ሕማም ኮሮናቫይስ እውን myocarditis የዛይዶ እዩ ።

ትካል ጥዕናን ድሕንነትን ፊንላንድ ነቲ ኣብ ፊንላንድን ፣ስዊድንን እንግሊዝኛን ክታበት ኮሮናቫይስ ከስዕበሉ ብዛዕባ ዝኽእል ሕማቕሳዕቤናት እዋናዊ ሓበሬታ የሕትም እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዚዝውተር ዘሎ ኽፍልታት እንታይ ሓበሬታ ኸም ዘሎንምፍላጥ ኣብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ጠውቕ። ዋላ ሓደ ኻብቲ ክታበት ኮሮናቫይስ ምስ ምምዝባል ኮሮናቫይስ እተተሓሓዘኣይኰነን ።

ክታበትን ሕማም ኮሮናቫይስ (ብፊንላንድኛ)

ኮሮናቫይስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓላለፍ ኧዩ

ሓደ በዚ ቫይረስ እዚ እተታሕዘ ሰብ ከምስዓል፣ እንጥሽ ምብሃል፣ክዛረብ ወይ ክዝምር ከሎ ከምኡውን ነጠብጣብ ብቐጥታ ናብቲጥዑይ ሰብ ክሓልፍ ከሎ እቲ ሓድሽ ኮሮናቫይስ ብቐዳምነት ብነጠብጣብ እዩ ዝመሓላለፍ ።

ኮሮናቫይረስ እውን ብምትንካፍ ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ ። ንኣብነት ሓደ በዚ ሕማም እዚ እተታሕዘ ሰብ ኣብ ኢዱ ኧሰኢሉ ንኻልእሰብ እንተ ተንክዩ እቲ ቫይረስ ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ።

ምልክታት ሕማም COVID-19 ዘይብሎም ሰባት እውን ነቲ ቫይረስ ከምሃላልፉ ይኽእሉ እዮም።

እዞም መምርሒታት ሕማም ኮሮናቫይረስ ንኸይላባዕ ይሕግዘ ኧዩ፦

  • ካብ ካልኦት ሰባት ርሓቕ ። 
  • ምስ ካልኦት ሰባት ኣካላዊ ምትንኻፍ ኣወግድ ። ንኣብነት ካብ ብሰላምታ ምጭብባጥ ንቆጠብ፣ ሰላም እትብለሉ ኻልእ መገድታት ግና ሕሰብ። 

ኣእዳውካ ተሓጸብ ኣብ እጅገኻ ሰዓል።

ሓደ ኻብቲ ንጽሬት ኢድካ ምቍጽጻር ሕማም ኮሮናቫይረስ ንኸይላባዕ ዝሕግዝ መንገዲ እዩ ።

  •  ኣእዳውካ ብተደጋጋሚ ብሳሙናን ብማይን ኣጸቢቕካ ሕጸብ። ብፍላይ ካብ ቤትካ ኽትወጽእ ከለኻ ምግቢ ቕድሚ
  • ምምጋብካ ከምኡውን ድሕሪ ሽንትቤት ምጥቃምካ ኣእዳውካ ኽትሓጽብ ኣሎካ።
  • ኣእዳውካ ኽትሓጽብ እንተ ዘይክኢልካ ንጽሬት ሳኒታይዘር ተጠቐም።
  • ክትአስኧልን ወይ ክተነጥስ ኸለኻ ኣፍካ ሸፈን። ሶፍት ወይ እጅገኻ ተጠቐም። ኣይትስዓል ወይ ኣብ ኢድካ ኣንጥስ።
  • ኣዒንትኻ፣ ኣፍንጫኻ ወይ ኣፍካ ብዘይተሓጽባ ኣእዳው ኣይትተንካኧዮ።

ኢድካ ምሕጻብን ምስዓልን (ብፊንላንድኛ)

ማስኬራ ምኸዳን

ምስ ሕማም ኮሮናቫይስ ዝተሓሓዝ ምልክታት እንተ ኣልዩካ ወይ ከኣ ድሮ ኮሮናቫይረስ ከም ዘሎካ እንተ ፈሊጥካ ኣብ ቤትካ ኾፍ ኢልካ ምስ ካልኦት ሰባት ኣይትራኸብ። ምስ ካልኦት ኣብ ቤትካ ዘለዉ ሰባት ክትራኸብ እንተ ዘይክኢልካ ማስኬራ ገጽካ ግበር።

ካልኦት ሰባት ኣብ ዘለዉሉ ቦታታት ግዜ ኸተሕልፍ ከለኻ ማስኬራ ግበር። ከም ድንኳን ፣ፋርማሲ ወይ ህዝባዊ መጓዓዝያ
ኽትጥቀም ከለኻ ማስኬራ ግበር። ማስኬራ ምግባር ንኻልኦት ሰባት ካብ ሕማም የዕቍቦም ።

ዋላ እውን ሕማም ኮሮናቫይረስ እንተ ኔሩካ ማስኬራ ኽትገብር ኣሎካ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ በቲ ሕማም ተታሒዝካ ናብ ካልኦትክትዝርጋሕ ትኽእል ኢኻ ።

ዋላ እውን ክታበት ኣንጻር COVID-19 ኧንተወስድካውን ማስኬራ ግበር። እቲ ክታበት ቫይረስ ኣብ መንጎ ሰባት ንኸይዝርጋሕ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚዓግቶ ኣይንፈልጥን ኢና ።

ማስኬራ ገጽ ብኸመይ ብግቡእ ከም እትኽደን (ዩቱብ ቪድዮ ፊንላንድ)

ውሽባን ምግላልን 

መርመራ ኮሮና ጌርካ ውጽኢቱ እናተጸበይካ እንተኮይንካ፤ ምስ ካልኦት ሰባት ኣይትራኸብ ።   

ንሕማም ኮሮናቫይስ እተተቓሊዕካ፤ብወግዒ ውሽባ ክትአትው ክትእዘዝ ትኽእል ኢካ። እቶም ኣብ ክፍሊ ምምሕዳር ወይ ኣብ ከተማኻ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ንበይንኻ ኽትውሸብ ከም ዘሎካ ክነግሩኻ እዮም። ንኮሮናቫይስ ምርመራ ብምግባር ንውሓቱ ኽትንክዮ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ከቢድ ዓይነት ሕማም ኮቪድ-19 እንተ ሓሚምካ፤ ብወግዓዊ ርእስኻ ንኽታግልል ኽትእዘዝ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኮሮናቫይረስ ካብ ሓደ ሰብናብ ካልእ ስለ ዝመሓላለፍ ካብ ካልኦት ክትፍለ ኣሎካ ። ካብቶም እትነብረሉ ዘለኻ ሰባት ብኣካላዊ መዳይ ክትርሕቕ እውን ክትጽዕር ኣሎካ ። ዝከኣል እንተ ዀይኑ ካብ ካልኦት ኣብ እተፈልየ ኽፍሊ ኽትጸንሕ ኣሎካ ።

ምልክታት ሕማም ኮሮናቫይስ

ኮሮናቫይረስ እተፈላለዩ ምልክታት ካስዕብ ይኽእል እዩ ። ገሊኦም ሰባት ዋላ ሓንቲ ምልክት ኣየጋጥሞም ይኸውን ። እቲ ምልክታት ንሒደት ሕሙማት ከቢድ ኢዩ ። እቲ ምልክታት ኣብ እዋን እቲ ሕማም ክቕየር ይኽእል እዩ ።

ምልክታት ሕማም ኮሮናቫይረስ ነዚ ዝስዕቡ ከጠቓልል ይኽእል እዩ ፦

  • ሕማም ርእሲ
  • ናይ ሽታ ስምዒት ምጥፋእ
  • ናይ ምስትምቓር ስምዒት ምጥፋእ
  • ጸረርታ ኣፍንጫ
  • ዝተዓብሰ ኣፍንጫ
  • ሰዓል
  • ሕጽረት ናይ ምስትንፋስ
  • ድኻም
  • ቃንዛ ጭዋዳ
  • ናይ ጉሮሮ ምንቃጽ
  • ናይ ጉሮሮ ምቁሳ ል
  • ረስኒ
  • ዕግርግር ምባል
  • ተምላስ
  • ውጽኣት

ምልክታት ሕማም ኮሮናቫይስ እንተ ኣልዩኒ እንታይ ክገብር ኣሎኒ? 

ምስ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሰማማዕ ምልክታት እንተ ኣልዩካ፤ ኣብ ገዛካ ተቐመጥ። እንተ ደሊኻ ኣብ ገዛካ ምርመራ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ ። 

ናይ ገዛ ውሽጢ ምርመራ መግበሪታት ኣብ ድኳናትን ፋርማሲታትን ክዕደግ ይከኣል ኢዩ ።

ምርማራ ኽትወስድ ዘድልየካ እንተ ዀይኑን ወይ ቈጸራ ብኸመይ ከም እትምዝግብን መምርሒ እንተ ደሊኻ አብ ዓወደ ፋእሚ ምምሕዳር ከተማኻ ምርካብ ይካአል እዩ፡፡

ምርመራ ኣብ ከም ምምሕዳራት ወይ ከተማታት ዝኣመሰለ ናይ ህዝቢ ክንክን ጥዕና ብናጻ ኢዩ ዝወሃብ። ኣብ ከም ናይ ብሕቲ ኽንክን ጥዕና ዝኣመሰለ እውን ኮሮናቫይረስ ምርመራ ምግባር ይከዓልኧዩ ግና ክፍያ ኧለዎ ።

ብዘይካዚ ምልክታት ኮሮናቫይረስ እንተ ኣልዩካ ንምፍላጥ ብኢንተርነት ኣቢልካ ኣገልግሎት Omaolo ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ።ገሊኡ ምምሕዳራት ከተማ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት Omaolo ዝግበር ምርመራ COVID-19 ቆጸራ ንክግበረሉ የኽእሎ። ዌብ ሳይት Omaolo ብፊንላንድኛ፣ስዊደንኛን እንግሊዝኛን ይርከብ እዩ ። ዝከኣል እንተ ዀይኑ ንሓደ እትፈልጦ ሰብ ኣገልግሎት Omaolo ንኽትጥቀመሉ ክሕግዘካ ሕተቶ።

ኣገልግሎት Omaolo (ብፊንላንድኛ)

ምልክት ሕማም ኮሮናቫይረስ እንተ ዘይብልካ ናብ ማእከል ጥዕና ኽትከይድ ከም እትኽእል ኣይትረስዕ። ካልእት ሕማማትካ ኸይተሓከምካ ኣይትሕደጎም።

እንተ ሓሚመ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ?

ከቢድ ምልክታት እንተ ኣልዩካ ክንክን ሆስፒታል የድልየካ ይኸውን። ምልክታት ሕማምካ ልኡም እንተ ዀይኑ ክትሓምም ከለኻ ኣብ ቤትካ ኽትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ገዛካ ኽትሓምም ከለኻ ኽትዝክሮ ዘሎካ ነገራት፦

  • ኧብ ገዛ ኧይምውጻን ካብ ካልኦት ሰባት ምርሃቅ ። ምስ ካልኦት ሰባት ናይ ግድን ኧንተኮይኑ ማስኬራ ግበር።
  • ኧዕርፍቲ ምውሳድን ብዙሕ ፈሳሲ መስተን።
  • ረስኒ እንተ ኣልዩካ መድሃኒት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ibuprofen and paracetamol ክሕግዝ ይኽእል እዩ
  • ኣእዳውካ ብተደጋጋሚ ተሃጸብ ።
  • ሰዓልን ማስንጣስ ኧንትህልወካ ኣብ እጅገኻ ወይ ኣብ ሶፍቲ ። ንዝዀነ ይኹን ጐሓፍ ናብ ባስኬት ኣወግዶ።
  • ክትሓምም ከለኻ ነቲ ኵሉ ሰብ ዝጥቀመለን መሳለጥያታት ኣይትጠቀም።

ሕማም ኮሮናቫይረስ ንሰባት ደም ከርግኧ እክኧል ኧዩ ። ኮቪድ-19 ኧንተሂዙካን ደም ናይ ምርጋኧ ምልክት ኧንተሃሊዉ ዀይኑ ምስ ሓኪም ተራኸብ።

ኮሮናቫይረስን ዝንባለ thrombosis (ብፊንላንድኛ)

ኵነታትካ ተዓዘብ። ዝገደደ ስምዒት ክስምዓካ እንተ ጀሚሩ ናብ ማእከል ጥዕና ደውል ።
ናብ ሓኪም ክትከይድ እንተ ደሊኻ ማስኬራ ግበር።

እዋናዊ ቐይድታትን ርእይቶታትን

ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብሰበ-ስልጣን ዝወጸ ግቡእ ቀይድታትን ርእይቶታትን ዝገልጽ ዌብ ሳይት መንግስቲ ፊንላንድ ርኣዮ።

ቀይድታትን ርእይቶታትን ኧብ ለብዒ ኮሮናቫይረስ (መንግስቲ ፊንላንድ ፣ ብፊንላንድኛ)

ተወሳኪ ንባባት

ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ወይ ብዛዕባ ምዕባለ እቲ ለብዒ ዝያዳ ምስ ፈለጥና ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዝ መምርሒታትን ርእይቶታትንክቕየር ይኽእል እዩ ።ብዛዕባ ኮሮናቫይስ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ነቲ ትካል ጥዕናን ድሕንነትን ፊንላንድ ዝብሃል ዌብ ሳይት ርአ። thl.fi/koronainfo 

ኣብ ሰሰሙን ትካል ጥዕናን ድሕንነትን ፊንላንድ ብዙሕ ዝዓይነቱ ሓበሬታ ብፊንላንድኛ ይሕትም እዩ ።
እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ (ብፊንላንድኛ)

ንማእከል ጥዕናኻ ኽትሓትቶም ትኽእል ኢኻ፤ ንኣብነት ሓብሓቢ ሕሙማት ብዛዕባ እቲ ኮሮናቫይስ ዝያዳ ሓበሬታ ኽህቡካ ይክእሉ እዮም።